Cart(0)

ጸላም ሳንዱቕ

Tselam Sanduk

by Sara Belay

ጸላም ሳንዱቕ ታሪኻዊት ልቢ ወለድ ድርሰት እኳ እንተተባህለት፡ ኣብ ሓቀኛ ተመኩሮ ህይወት ዝሰረተት መጽሓፍ እያ። ሳባ፡ ቀንዲ ገጸባህርይ ናይ’ዛ መጽሓፍ፡ ንብዙሓት ኣብ ንኡስ ዕድመእን ዝተሰለፋ ጸዋራት ተጋደልቲ እትውክል እያ። ጸላም ሳንዱቕ ብናይ ሓንቲ ገርሂን ሕብእብእ ዘይትፈልጥ ውዕይትን ቆልዓ እያ እትጅምር። ቀጺላ፡ እዛ ገርሂ ቆልዓ ብኸመይ ኣብ ዘይትፍልጦ ሰልሚ ከም ዝተዋሕጠት ተዘንቱ። ጸላም ሳንዱቕ ኣብ ከርሳ ዘደንጹ ቴማታት ጥፍኣት፡ ፍቕሪ፡ ጽልኢ፡ ጓሂ፡ ኣድልዎ፡ ቁጽጽር ሓሳባት፡ ግዱድ ስምምዕ…እትትርኽ መጽሓፍ እያ።

Tselam Sanduk is a historical fiction based on true stories. The novel’s main protagonist, Saba, embodies the countless Eritrean female freedom fighters that joined the armed struggle at a very young age. The story begins with the introduction of a naïve and blunt young character. It then progresses to showcase how this innocent young woman was engulfed into the depths of a bleak mire. The book deals with themes of love and loss during wartime thought control, thought reform, violations of freedom of expression, marginalization, and forced conformity, to name a few. 

Book Reviews


“ልቢ ወለድ ይኹን ሓቀኛ ታሪኽ ኣብ ምጽሓፍ፡ ዝበዝሑ ጸሓፍቲ፡ ድርሰቶም ከም ጽቡቕ ኣብነት ከገልግል ካብ ዘለዎም ባህጊ ዝተበገሰ ይኸውን፡ ኣብቲ ኣዎንታዊ ሸነኽ ናይቲ ታሪኽ ጸቒጦም ከዘንትዉ ይመርጹ። ነቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ድማ ኣይጸቕጥሉን ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ይጐስዩዎ። ከምኡ ዓይነት ትረኻ፡ ብገለ መዳይ ናቱ ብልጫታት ይህልዎ ይኸውን። እቲ ጐስዩዎ ዝሓልፍ ብዙሕ ስለዝኸውን ግን፡ ንተሞኩሮ ህይወት ምሉእ ብምሉእ የንጸባርቖ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። በዚ ድማ፡ እቲ ዘይተነግረ ክፋል ናይቲ ታሪኽ ምስ ግዜ እናተረስዐ ከምዘይነበረ ይኸውን። ብኣንጻሩ ገለ ጸሓፍቲ፡ ነቲ ዝነበረ ከምዘለዎ ጽቡቕን ሕማቑን ክገልጽዎ ይመርጹ።ጸላም ሳንዱቕ በዚ መገዲ እዚ እተጻሕፈት ትመስል።”

— በየነ ግርማይ